Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ሻርጃ ሓዱሽ በረራ ክጅምር እዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ከተማ ሻርጃ ካብ 24 ግንቦት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ግልጋሎት በረራ መንገደኛታት ንምጅማር ምድላዋት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ሰሙን ኣባዕተ ግዘ ዘካይዶ እቲ ግልጋሎት በረራ÷ መገደኛታት ናብ ከተማ ሻርጃ ብዝተሳለጠ መማረፂ ብቐሊሉ ንክጉዕዓዝ ዘኽእል ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ልዕሊ 17 መባፅሕ ቦታታት ከምዘለውዎን ልዕሊ 100 ሰሙናዊ ናይ መንገደኛታትን ግልጋሎት ካርጎን በረራታት እናካየደ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኡ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.