መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ፖርቶ ኣገልግሎት በረራ ምሃብ ክጅምር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ፖርቱጋላዊት ከተማ ፖርቶ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ኣገልግሎት በረራ ምሃብ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፡፡
እቲ መገዲ ኣየር ናብታ ከተማ ካብ 9 ሓምለ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ኣገልግሎት በረራ ምሃብ ምጅማሩ ናብ ኣውሮፓ ንዝጓዓዙ መገደኛታት ዝተሳለጠን ምቹውን ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዘኽእሎም ገሊፁ።
ምጅማር እቲ በረራ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ዘሎ ኣድማስ በረራ ከምዘዕብየሉ ኣመልኪቱ።