መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ግሪኽ ኣቴንስ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝተመርሐ በረራ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ግሪኽ ኣቴንስ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝተመርሐ በረራ ገይሩ፡፡
በዚ ፍሉይ በረራ ናብ ኣቴንስ ዝተጓዓዛ ምክትል ፕሬዚደንት ማርኬቲንግ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ራሄል ኣሰፋ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ መገዲ ኣየር መላእ መሳርሕቲ በረራ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩለን።
ኣትሌት መሰረት ደፋር፣ ኣርቲስት ዓለምፀሐይ ወዳጆን ኣብ መእተዊ ፈተና ዩኒቨርስቲ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ልዑል ውፅኢት ብምምፃእ ተሸላሚት ዝነበረት ተምሃሪት ሲፈን ተክሉ ኣብቲ በረራ ተሳተፍቲ ኮይነን።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ትማሊ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ምኽባሩ ይፍለጥ፡፡