Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ካሜሩን ንዝጓዓዙ ሓጀጅቲ ግልጋሎት በረራ ንምሃብ ቆራፅ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ካሜሩን ንዝጓዓዙ ሓጀጅቲ ከምኡ እውን ናብ ያውንዴን ዱዋላ ዝገብሮ ሰሩዕ ግልጋሎት በረራ ንምሃብ ቆራፅ ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ምምሕዳር ግዝኣት ካሜሩንን ፕሬዚዳንት ሓጅ ኮሚቴ ፖል ኣታንጋ ንጂን ምስ ልኡኾም ብምዃን ኣብ ግልጋሎት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።

ኣብቲ ዑደት ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉጅለ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰውን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ትካልን ዕውት ዘተ ምክያዶም ገሊፆም፡፡

ኣብቲ እዋን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ካሜሩን ንዝጓዓዙ ሓጀጅቲ ከምኡ እውን ናብ ያውንዴን ዱዋላ ዝገብሮ ስሩዕ ግልጋሎት በረራ ንምክያድ ቆራፅ ከምዝኾነ ምግላፁ ኣብ መገዲ ኣየር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.