Fana: At a Speed of Life!

መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ንፓኪስታን ብሄራዊ ቤተ-መፃሓፍቲ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተፅሓፈ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ንፓኪስታን ብሄራዊ ቤተ-መፃሓፍቲ ኣበርኪቶም፡፡

መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ብፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ስርዓት ሕግን ብምህናፅን ብምትጋህን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዓወታት ምርካቦም እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ እዋን ገሊፆም፡፡

ዳይሬክተር ብሄራዊ ቤተ -መፅሓፍቲ ፓኪስታን ጄኔራል ራጃ ጃቬድ ብግዲኦም÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፍልስፍና ምድማር፣ ሓሳብን ራኢን ንኢዶም ክብል ኣብቲ ኤምባሲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.