ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂ ምስ ግልጋሎት ዓለም ለኸ ቪዛ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ግልጋሎት ዓለም ለኸ ቪዛ ኣብ ብሓዋላ፣ ዲጂታል ፋይናንስ ከምኡ እውን ሓደሽቲ ዕድላት ምትሕብባር ብሓባር ንምስራሕ ዘተ ኣካይዶም።
ኣብቲ ዘተ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂ ይሹሩን ዓለማየሁ (ዶ/ር)÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብማዕርነትን ሓባራዊ ተረባሕነትን ጠመተ ዝገበረ ምትሕብባር ዲጂታላይዜሽን ንምድንፋዕ ልዑል ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።
ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን ዕውትነት ንምርግጋፅ ኣብ ማዕቀፍ ሕጊ፣ መሰረተ ልምዓትን ህንፀት ሓይሊ ሰብ ዘርፈ ብዙሕ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡
ምክትል ፕሬዚዳንት ዞባ ደቡብን ምብራቕን ኣፍሪካ ቪዛ ኢንክ ሚካኤል በርነር ብግዲኦም÷ ዓለም ለኸ ግልጋሎት ቪዛ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራትን ተበፃሒ ንምግባር ልዑል ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።
ብሓፈሻዊ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ኣጀንዳ፣ ዲጂታል ስትራቴጂ ብቀዳምነት ፕሮጀክትታትን ትልምታት ንምድጋፍን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ኣብቲሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።