Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዒደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ናይል ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዒደት ገይሮም፡፡
ኣብቲ ዑደት ሚኒስትራት ማይ ኬንያ፣ ታንዛኒያ፣ ኡጋንዳ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሓዊሱ ጋዜጠኛታት ተፋሰስ ሃገራት ተሳቲፎም።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)ን ዋና መካየዲ ስራሕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክፍሌ ሆሮ (ኢ/ር)ን ነቶም ሚኒስትራት ገለፃ ገይሮም።
“ምትሕብባር ናይል ምጉልባት ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋርን ንሓራዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ቃል መበል 19 መዓልቲ ናይል ማሊ ከምዝተኸበረ ይፍለጥ።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.