ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኬፕ ቨርዴን ሞሪታኒያን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ዝሳተፉ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኬፕ ቨርዴን ሞሪታኒያን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ አንትበፅሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።