Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማእከላዊ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ  ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት 4፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማእከላዊ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ  ሲልቪ ባይፖ ቴሞን ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን።

ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ዝሳተፉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትዉ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ ኣማሲዩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማእከላዊ ሪፐብሊክ ኣፍሪካ  ሲልቪ ባይፖ ቴሞን ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ብርትኳን ኣያኖ ኣቀባብላ ገይረናለን።

ብዘቢብ ተኽላይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.