ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ኣሕመድ ኣታፍ ኣብ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡
መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ድሕሪ ፅባሕ 5ን 6 ለካቲት 2017 ክካየድ ኢዩ።
ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ዝካፈሉ ሚኒስትራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚሮም።
እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀኔራል ጉዳያት ፕሮቶኮል ኣዚዛ ገለታ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይረናሎም።
ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ንጉባኤ መራሕቲ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ብምስንዳእ ከምዘቕርብ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡