Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ብናይ ሓሶት ብር ኖት ከይታለል ጥንቃቐ ክገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ማሕበረሰብ ብናይ ሓሶት ብር ኖት ከይታለል ኣብ እዋን ዕድጊት ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ÷ ኣብ እዋን በዓል ዝፍፀሙ ዝተፈላለዩ ገበን ምጭብርባር ካብ ዝነበርዎ ይውስኹ እዮም፡፡

ኣብ 2017 ዓ.ም በዓል ፋሲካ ብድሙቕ ንክኽበርን ማሕበረሰብ ንዝተፈላለዩ ገበናት ከይቃላዕ ንምክልኻል ፖሊስ እኹል ምድላው ምግባሩ ገሊፆም፡፡

ምስቲ በዓል ብዝተተሓሓዘ ኣብ ኢግዚቢሽንን ባዛርን ማሕበረሰብ ካብ ዘጭበርብሩ ለያቡ ዓርሱ ክሕልው ከምዘለዎ ብምሕባር ፤ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት እንትርኣይ ንኣካላት ፀጥታ ሓበሬታ ብምሃብ ገበን ክከላኸል ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብአቤል ንዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.