ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ክርስታሊና ጂኦርጂዬቫ ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ምስ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ብምዃን ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይረን።
ክርስታሊና ጂኦርጂዬቫ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልወን ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት፣ ቅድሚት ኣብ ዝወሃቦም ፖሊሲታት፣ ኢኮኖሚያዊ መመሓየሺታትን ዘፈር ውልቀን ኣብ ዕድላት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ብምድሃብዘተ ከምዝዛተያ ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘገብረኦ ዑደት ስራሕ እውን ኣይኤምኤፍ ልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝን ምይይጣት ፖሊሲ ብምግባርን ዘይብዳህን ዘላቒን ሃገራዊ ምዕባለን ንምምፃእ ዘሎ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡