ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ዝገበረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 25 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ሆትሰፐርስ ዝግበረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ኣብዚ ውድድር ዓመት ድኹም ምንቅስቓስ እናርአያ ዝርከባ ክልቲአን ጋናታታት ሎሚ ምሸት 1:30 ክራኸባ ኢየን፡፡
ኣብ ደረጃ ሰንጠረዥ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ መበል 14 ን መበል 15 ደረጃ ዝርከባ እተን ጋንታታት 3 ነጥቢ ሒዘን ንምውፃእ ክናሓነሓ ኢየን።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝግበር ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ መሪሕ እቲ ሊግ ሊቨርፑል ንወልቭስ ሰዓት 11:00 ክተተኣናግድ ኢያ።