Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ስልጠና ፋና ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ማእኸል ስልጠና ፋና ሚዲያ ኮርፓሬሽን ኣፍልጦ ኣብ ዝረኸበሎም ሰለስተ ዓውድታት ሞያ ስሩዕ ስልጠና ምሃብ ምጅማሩ ሎሚ ኣብሲሩ፡፡

እቲ ማእኸል ቕድሚ ሕዚ ኣብ ብጋዜጠኝነት፣ ሚዲያ ኮሙኒኬሽንን ሚዲያ ቴክኖሎጂን ስራሕቲ ስልጠናን ምምኻርን ክሰርሕ ፀኒሑ፡፡

ሎሚ ዝተኻየደ መጀመሪ መርሃ ግብሪ እቲ ማእኸል ብብሮድካስት ጆርናሊዝም፣ ግራፊክስ፣ ቪዲዮ ግራፊን ፎቶግራፊን ኣብ ዓውድታት ሞያ ብብርኪ ሰርተፊኬት ስሩዕ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ፡፡

ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ኣካቢ ቦርድ ፋና ሚዲያ ኮርፓሬሽንን ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት÷ እቲ ትካል ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ዝካዕበተ ልምዲ ዘለዎ ብምዃኑ ማእኸል ስልጠና ጋህዲ ንምግባር ከምዘድለየ ገሊፆም፡፡

ፋና ብሬዲዮ፣ ቴሌቪዥንን ዲጂታል ሚዲያን ዘለዎ ዝማዕበለ ክእለት ሞያ ማእኸል ከፊቱ ስሩዕ ፍልጠት ምሃብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡

እቲ ማእኸል ንሰራሕተኛታቱ ስልጠና ዝህብ እንትኸውን፣ ስሩዕ ተመሃሮ ተቐቢሉ ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ብቑዕ ዝገብር ማሕበራዊ ግዲኡ ንምውፃእን ፍልጠቱ ንምክፋልን ከምዘሰርሕ ገሊፆም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ብግዲኦም÷ እቲ ማእኸል ጋህዲ ንምግባር ደገፍን ምትሕብባርን ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ማእኸል ልህቀት ኮይኑ ከምዘገልግል ኣረጋጊፆም፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.