ማዳጋስካር ምስ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ተሞክሮታት ብምክፋል ብምትሕብባር ከምተሰርሕ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ጎድና ጎድኒ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማዳጋስካር ራሳታ ራፋራቫቪታፊካ ተዛቲዮም።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ክልተኣዊ፣ ኣህጉራዊን በዓል ብዙሕ ወገን ሓበራዊ ተረባሕነትን ጉዳያት ዘለዎም ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝዘተዩ ተገሊፁ፡፡
ኣብ ኣጀንዳ 2063፣ ንግዲ፣ ቱሪዝም፣ ኢንቨስትመንት፣ ኣቪዬሽን፣ ውፅኢታት ኢደ ጥበብ፣ ሓለዋ ብዝሃ ህይወት፣ ኣተሓሕዛ ሓድጊ፣ ሓለዋ ከባቢን ክሌማዊ ለውጢ ብምሕላው ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም።
ራፋራቫቪታፊካ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ሃገረን ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቓት ተሞክሮታት ከም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝበሉ ኣተሓሕዛ ሓድጊ፣ ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ዓውዲ ኣቪዬሽንን፣ ሓለዋ ብዝሃ ህይወትን ሓለዋ ከባቢን ከምኡ እውን ንብረት ኣየር ተሞክሮ ብምክፋል ብዝበለፀ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፀን።