Fana: At a Speed of Life!

ሜክሲኮ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስግግር ሕርሻ ቴክኖሎጂ ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሊሃንድሮ ኢስቲቪል ዘትዮም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ÷ኢትዮጵያ ቕድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ፅግዕተኛ ዝናብ ዝነበሮ ልምዓት ስርናይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመስኖ ብስፍሓት እናፈረየት ምዃና ገሊፆም፡፡

ከምኡ እውን ሜክሲኮ ኣብ መሸላ ባሕሪን ስርናይን ምምሕያሽ ማእኸል እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ንክትቕፅል ሓቲቶም፡፡

ኣምባሳደር ኣሊሃንድሮ ኢስቲቪል ብግዲኦም÷ ኢትዮጵያ ዓውዲ ሕርሻ ንምዕባይን ብምግቢ ዓርሳ ንምኽኣልን እናካየደቶ ዘላ ፃዕሪ ንኢዶም ይብል ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ ፡፡

ሜክሲኮ ሕርሻ ንምዝማን ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂን ዘለዋ ልምዲ ንኢትዮጵያ ንምክፋል ድልውቲ ምዃና ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.