ሜክሲኮ 10 ሺሕ ወተሃደራታ ኣብ ኣዋሳኒ ዶብ ኣሜሪካ ኣዋፊራ
ኣዲስ ኣበባ፣ ጥር 29፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝሃብዎ መፈራርሒ ታሪፍ ስዒቡ ሜክሲኮ 10 ሺሕ ወተሃደራታ ኣብ ኣዋሳኒ ዶብ ኣሜሪካ ከምዘዋፈረት ኣፍሊጣ።
ፕሬዚዳንት ሜክሲኮ ክላውዲያ ሼንቦም ትእዛዝ ምትሕልላፎም ስዒቡ ኣባላት ብሄራዊ ሰራዊት እታ ሃገር ምስ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ ዘዋስኑ ሱዳድ ጁዋሬዝን ኢል ፓሶን ኣብ ዝተብሃሉ ቦታታት መስፋሮም ተገሊፁ።
ሎሚ ንጎሆ ማስክ ዝገበሩ ልዕሊ 1 ሺሕን 650 ኣባላት ብሄራዊ ሰራዊት ሜክሲኮ ኣብ ከባቢ ዶብ ብምስፋር ኣብቲ ከባቢ ከምዝተርኣዩ ተሓቢሩ።
ሜክሲኮ ወተሃደራታ ንምስፋር ዝወሰነት፥ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፍሪያታት ሜክሲኮ ከቢድ ዝበሃል ታሪፍ ከምዘንብሩ ምዝራቦም ስዒቡ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቶም ወተሃደራት ብቐንዱ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ኣብ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝቆፃፀሩ ከምዝኾኑ ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ።