Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ሓገዝ ኮምፒውተር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዘበነዎትን ልዑል ዓቕሚ ዘለወንን ኮምፒውተራት ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ሓገዝ ገይሩ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ፋና ብምርካብ ዝገበሩዎ÷ ሓገዝ ፅቡቕ ርክብ ክልቲኦም ትካላት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ።

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ቦርድ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምሃብ ሓገዝ፤ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ንሚዲያታት ሓገዝ እንትገብር መጀመርትኡ ከምዘይኮነ ኣልዒሎም።

እዋኑ ናይ ዲጂታል ብምዃኑ ንፋና ንምዝማንን እዋኑ ምስ ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ንኽጓዓዝን ዝተውሃበ ሓገዝ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዳንኤል ጉታ ብግደኦም÷ ክልቲኦም ትካላት ብሓባር እናርሑ ምፅነሖም ብምዝኽኻር፤ ትካሎም ዝገበሮ ሓገዝ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ምንቅስቓስ ዲጂታል ሚዲያ ብዝበለፀ ንምዝማን ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.