ምስ ኣመራርሓ ዘፈር ንግዲን ፈጠርቲ ስራሕን ኢትዮጵያ ዕዉት ዘተ ኣካይድና – ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስ ኣመራርሓ ዘፈር ንግዲን ፈጠርቲ ስራሕን ኢትዮጵያ ዕዉት ዘተ ከምዘካየዳ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ክርስታሊና ጂኦርጂዬቫ ገሊፀን፡፡
ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንኽመሓየሽ ፅቡቕ ዕድል ከምዝፈጥር እውን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ክርስታሊና ጂኦርጂዬቫ ኣመልኪተን፡፡
እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ዕቤት ዘፈር ውልቀ ዝላ ንኸርኢ ኣሰራርሓ ታክስ ምዝማንን ኣብቲ ዓውዲ ክትትልን ሓገዝን ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ኣፍሊጠን፡፡