Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንተተካኢ ፍርያት ጠመተ ክዉሃብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንተተካኢ ፍርያታት ጠመተ ብምሃብ ሃገራዊ ሽቶ ንምዕዋት ዝተጀመሩ ስራሕቲታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እተ ምክልት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ኢንቨስትመንትን ልዑል ምንቕቓሓት ኣርእዩ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብ ኢንዱስትሪ ሓፂን መፂን ኣምሓራን ኢንተርፕራይዝ ማሽን ልምዓት ቴክኖሎጂን ከይዲ ስራሕቶም ዑደት ምግባሮም ሓቢሮም፡፡

እቲ ኢንተርፕራይዝ ካብ ዝተዋፈሮም ስራሕቲ ሓፂን ምምካኽ፣ ፍርያት ማሽን፣ ዲች ከቨራት ኮሪደር፣ ስማርት ፖሎታት መፍረዪን ምሳርሒታት ሕርሻን ብምግጥጣም ስራሕቲታት ልምዓት እቲ ክልል ንምስላጥ ልዑል እጃም ኣለዎ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ተተካኢ ፍርያታት ናብ ዉሽጢ ዓዲ ንምቕራብ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምድሓን ብተወሳኺ፥ ብሕፅረት እታዎት ስራሕቲ ልምዓት ከይተኣጓጎሉ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ኣፍራዪ ተተካኢ ምህርቲ ጠመተ ብምሃብ ሃገራዊ ሽቶ ንምዕዋት ዝተጀመሩ ስራሕቲታ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.