ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኣንጄላ ራይነር ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይረን::
እተን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ልኡኸንን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ዑደት፤ ዩኒቨርሲቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ፣ ክፍሊ ፅገና ኣውሮፕላንምስለ በረራታት መሰልጠኒ ተግባራዊ በረራን ተመልኪተን።
ምስ ዋና ፈፃማ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰውን ኣባላት ኣመራርሓን ምዝታየን ካብቲ መገዲ ኣየር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።