Fana: At a Speed of Life!

ምዝገባ ጉዕዞ መበል 1 ሺሕን 446 ሓጅን ዑምራን ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እዋን ምዝገባ ጉዕዞ መበል 1ሺሕን 446 ሓጅን ዑምራን ክሳብ 20 መጋቢት 2017 ዓ.ም ከምዝተናወሐ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ከይዲ ምንዋሕ ግዘ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ክሳብ 20 መጋቢት 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ንምዝገባ ዝተዉሃበ ግዘ ገደብ እኹል ዘይምዃኑ ህዝበ ሙስሊም ሕቶ ምቕራቡ ስዒቡ ከምዝተናዉሐ ተገሊፁ፡፡
እቲ መዓልቲ ንክናዋሕ ድልየት ዘለዎም ሓጂታት ንምትእንጋድ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ቤት ምኽሪ÷ ማሕበረሰብ ሙስሊም ብዝተዉሃቦ ግዘ ክምዝገብ ፃዉዒት ቀሪቡ፡፡

ብሚኪያስ ኣለሙ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.