Fana: At a Speed of Life!

ሞሓመድ ሳላህ ኣብ ሊቨርፑል ዘፅንሖ ኮንትራት ፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ግብፃዊ ተፃዋታይ መስመር ሞሓመድ ሳላህ ኣብ ሊቨርፑል ዘፅንሖ ኮንትራት ፈሪሙ፡፡

ሞሓመድ ሳላህ ኣብ እዋን እቲ ፊርማ ብዙሕ ዓበይቲ ፅዋዓት ብሓደ ኮይንና ከምንስዕር ስለዝኣምን ፈሪመ ክብል ተዛሪቡ፡፡

ደገፍቲ ሊቨርፑል ድጋፎም ከሐይሉ ብምሕታት÷ብፀወታ ዓወት ንምምዝጋብ ዘኽእሎ ኩሉ ከምዝገብር ኣረጋጊፁ፡፡

ቀፃሊ እውን ብዙሓት ፅዋዓት ከምነምፅእ ተስፋ ይገብር ምባሉ ሊቨርፑል ዶት ኮም ፀብፂቡ፡፡

2017 ዓ.ም.ፈ ካብ ሮማ ድሕሪ ምዝውዋሩ ሳላህ ኣብ ሊቨርፑል ዘገርም ክእለቱ እናርኣየ ይረክብ፡፡

ከምኡ እውን ኣብ ፕሪምየር ሊግ 294 ፀወታታት ብምክያድ 184 ሽቶታት ኣቑፂሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.