Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ካብ ካልኦት ሃገራት እትዕድጎ ፍሪያት ዕንበባ ካብ ኢትዮጵያ ንምዕዳግ ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት 13፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ንግዲን ቀጣነዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ልምዓት ኢኮኖሚን ንግዲን ማክሲም ሬሸትኒኮቭ ዘቲዮም።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያን ሩሲያን ንዘበናት ዝፀንሐ ርክብ ዲፕሎማሲን ኢኮኖሚን ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣዘኻኺሮም።

እቲ ታሪካዊ ርክብ መሰረት ብምግባር ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ጠንካራ ምትሕብባር ነግዲ ምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ንምስፋሕ ስምምዕነት ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም።

ብፍላይ ሩሲያ ካብ ካልኦት ሃገራት እትዕድጎ ፍሪያት ዕንበባ ካብ ኢትዮጵያ ንምዕዳግ ምስምዕማዓ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ማክሲም ሬሸትኒኮቭ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምኻን እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ከምዝሕግዙ ቃል ኣቲዮም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.