ሪያል ማድሪድ ምስ ኣርሰናል ትፅቢት ዝግበረሉ ናይ መልሲ ፀወታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሪያል ማድሪድ ኣሜዳኣ ንኣርሰናል ክተተኣንግድ ኢያ።
ክልቲአን ጋንታታት ናብ ፍርቂ ፍፃመ ንምሕላፍ ዝገብረኦ ብርቱዕ ንሕንሕ ምሸት ሰዓት 4፡00 ክካየድ ኢዩ።
ኣብ ኢሚሬትስ ዝገበረኦ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ኣርሰናል 3 ን 0 ዝተዓወተት እንትኸውን÷ ማድሪዳውያን “ነቲ ውፅኢት ኣብ ሜዳና ቤርናበዩ ክንልውጦ ኢና” ብምባል እናተሓነዩ ይርከቡ።
ኣብዚ ፀወታ ብድምር ውፅኢት ዝሰዓረት ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ምሽ ፈረንሳጽ ጋንታ ፒኤስጂ ክትራኸብ ኢያ።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሸት ሰዓት 4፡00 ጀርመናዊት ጋንታ ባየርን ሙኒክ ናብ ጣልያን ብምምራሕ ምስ ኢንተርሚላን ክትገጥም ኢያ።
ኣብ ኣልያንዝ ኣሬና ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ኢንተርሚላን 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ምዕዋታ ይዝከር።