Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮጵያን ኣንጎላን ንምዕባይ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ኣንጎላ ኣብ ኢትዮጵያ ሚጌል ሴሳር ዶሚንጎስ ቤምቤን ኣብ ምዕባይ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም፡፡

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣንጎላን ብዛዕባ ዘሎ ጥንኩር ክልተኣዊ ርክብ ኣልዒሎም፡፡

ኣንጎላ ፕሬዚዳንትነት ተለዋጢ ቦታ ሕብረት ኣፍሪካ እንትትሕዝ ዛዕባ ኣህጉር ኣፍሪካ ኣብ ምስጓም ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዋ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ሚጌል ቤምቤ ብግደኦም፥ ኣንጎላ ምስ ኢትዮጵያ ጥንኩር ርክብ ንኽህልዋ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.