ርክብ ኢትዮጵያን ግሪኽን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ርክብ መንግስታትን ህዝቢ ምስ ህዝቢን ኢትዮጵያን ግሪኽን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፈ-ጉባኤ ባይተዎ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም፡፡
ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ብኣባል ፓርላማ ግሪኽን ሓላፊ ጉባኤ ኢንተርፓርሊያመንት ኦርቶዶክስን ማክስሞስ ቻራኮፖሎስ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝተዛተዩሉ እዋን፥ ክልቲአን ሃገራት ንብዙሓት ዓመታት ዝደንፈዐ ጥንኩር ርክብ ከምዘለወን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ካብ ግሪኽ ልምዲ ክትቀስምን ተሞክሮኣ ክተካፍልን ከምትደሊ ገሊፆም፡፡
ማክስሞስ ቻራኮፖሎስ ብግደኦም፥ ኣብ ዓውዲታት ቱሪዝም፣ ሕርሻ፣ ኮንስትራክሽን፣ ትራንስፖርት ባሕሪን ቴክኖሎጂን ልውውጥ ልምዲ ምግባር ሓዊሱ ሃገሮም ብምትሕባባር ንምስራሕ ዘለዋ ድልዉነት ኣረጋጊፆም፡፡
ሃገሮም ንኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ንምቅርራብ ከምትሰርሕ ብምግላፅ፥ ሰብ ሃፍቲ ግሪኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ከዕብዩ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኽናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡