ርክብ ፓርቲ ብልፅግናን ኤኬን ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ-ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ኤኬ ቱርኪን ዘሎ ኩለ መዳይ ርክብ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ፓርቲ ኤኬ ኣብ ዘሳለጦ መበል ሻምናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብምርካብ ኣብ መንጎ ፓርቲ ብልፅግናን ኤኬን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሓባር ንምስራሕ ዝተፈራረምናሎም ሰነድ ስምምዕነት ተግባራዊነት ንክፀንዕ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ምጓዓዝ ክኢልና ኢና ኢሎም ኣይተ ኣደም።
ኢትዮጵያን ቱርኪን ብዙሓት ዘበናት ብዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ፤ ብመንግስቲ ንመንግስቲ ከምኡወን ብህዝቢ ምስ ህዝቢ ደረጃ ዝተፈጠሩ ርክባትን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ኣብ ስምምዕነት ፓርቲ ብልፅግናን ኤኬን ናይ ፓርቲ ምስ ፓርቲ ርክብ ብምጥንኻር ኣብ ቀፃሊ ተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን እወንታዊ ውፅኢታት ንምምዝጋብ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ክኢልና ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት፣ ንግዲ፣ ቱሪዝም፣ ትምህርቲ፣ ቴክኖሎጂን ኣብ ቀጣናዊን ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያትን ዘሎ ምትሕብባርን ዝርከቡ ዘለዉ እወንታዊ ውፅኢታትን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኣብ መንጎ እተን ፓርቲታት ጣንካራ ርክብ ምፍጣሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።