Fana: At a Speed of Life!

ሰለስተ ብሄራዊ ፓርታላት ቢዝነስ ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩለ መዳይ ኣገልግሎታት መንግስቲ ብኦንላይን ንምርካብን ግልፅነት ንምምዕባልን ዘኽእሉ ሰለስተ ብሄራዊ ፓርታላት ቢዝነስ ዕላዊ ኮይኖም።

ኣብ ከተማ ባህርዳር፣ ኣዳማን ድሬዳዋን ዝትግብሩ እቶም ፓርታላት፥ ነተን ከተማታት ትልሚ ስምረት ስማርት ሲቲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎም ተገሊፁ።

ንህዝቢ ዘበናዊ ኣገልግሎት ብምሃብ ምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምጉልባት ኩለ መዳይ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030፥ ካብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ልምዲ ብምውሳድን ምዕባለ ቴክኖሎጂ ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብቲ ዓውዲ ልዕልነት ዘረጋግፅ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፓርታል ቢዝነስ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂንን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተግባራዊ ክግበር ከምዝፀንሐ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.