ሰሙን ፌስቲቫል ባህሊ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 16 ፌስቲቫል ባህሊ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ፡፡
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ እቲ ፌስቲቫል ባህሊ ንዝቕፅሉ ሰለስተ መዓልቲታ ከምዝካየድ ሓቢረን፡፡
“ባህሊታትና ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምናሎም ንንህፀት ሃገር፣ ምቅርራብን ሕድነትን ህዝቢታት ንምጥንኻር ከምኡ እውን ንህንፀት ሰላምን ሓበራዊ ተረኽን ልዑል ግደ ይፃወቱ” ክብላ ገሊፀን።
ነበርቲ እታ ከተማ “ባህሊታትና ማእገር ሓበራዊ ተረኻና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ፌስቲቫል ባህሊ ኣብ ጊዮን ሆቴል ብምርካብ ንኽጉብንዩ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡