ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘላቕነት ብርእ ዓቕሚ ንምሽፋን ዕዉት ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘላቕነት ብርእ ዓቕሚ ንምሽፋን ኣብ ኩለን ክልላት ዕዉት ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስራሕ ድሉውነት ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ኮሚሽነር ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛት ብርእሰ ዓቕሚ ብምምላእ ካብ ተሓጋዛይነት ንምንጋፍ እናሰርሐቶ ትርከብ ተግባር ኣመልኪቶም ንግዜኢ መብርሂ ሂቦም፡፡
ኣብ መብርሂኦም ድማ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እናተመዝገቡ ዝርከቡ ዓወታት ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕ ሓደጋታትን ብርእሰ ሃፍቲ ንምፅዋር ዘኽእል ዓቕሚ እናፈጠሩ ከምዝርከቡ ኣልዒሎም፡፡
መንግስቲ ታሪኽ ተሓጋዛይነት ኢትዮጵያ ንምልዋጥ ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃበ ብምሕባር፤ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 20 ሚሊየን ዜጋታት ዝተሳተፉሉ ዘተ ብምግባር ሰብኣዊ ሓገዝ ብርእሰ ዓቕሚ ምሽፋን ከምዝከኣል ኣብ ምርድዳእ ክዝተበፅሐ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ሰፊሕ ዝሕረስ መሬት፣ ሃፍቲ ማይን ብዙሕ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብን ዘለዋ ሃገር ምዃና እውን ሉኣላዊነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርግጋፅ ልዑል ዓቕሚ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ሉኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ብሄራዊ ድሕንነትን ናይ ምሕላው ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ብርእሰ ዓቕሚ ብምሽፋን ክብሪ ሃገር ንምሕላው እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ምርድዳእ፣ ምስንዳእን ብዝተዋደደ መገዲ ስራሕቲ ልምዓት ምቅልጣፍን ተሓጋዛይነት ንምውጋድ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡