ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ፈሰስ ክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ) ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ፈሰስ ክገብሩ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ምስ ምክትል ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ኮሚቴ ፖለቲካዊ ኣማኻሪን ኣቦ ወንበር ፌዴሬሽን ንግድን ኢንዱስትሪን ጋኦ ዩንሎንግ ዘተ ኣካይዶም።
እቶም ኮሚሽነር ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ብምውፋር ንሰብሃፍቲ ቀደምቲ እዮም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ቻይናውያን ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት 9 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ፈሰስ ብምግባር ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ምስምዕመዖም ተዛሪቦም፡፡
እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ምትሕብባር ኢንቨስትመንት፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ከምኡ እውን ንግዳዊ ምትሕብባር ዝያዳ ንምጥንኻር የኽእል አሎም፡፡
ጋኦ ዩንሎንግ ብወገኖም ኢትዮጵያ ንልምዓታዊ ንጥፈታት ብምንኣድ ኣብ ቻይና ንዝርከቡ ልዕሊ 55 ሺሕ ማሕበራት ንግዲ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ ኣድላዩ ሓገዝ ከምዝገብሩ ምርግጋፆም ኣብቲ ኮሚሽን ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡