ስሩዕ ጉባኤ ዑለማታት ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሳልሳይ ስሩዕ ስሩዕ ጉባኤ የዑለማታት ወይ እውን ሊቃውንታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ ናይ ክልተ መዓልቲ ፃንሒት ዝህልዎ እንትኸውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ከምኡ እውን ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ብስፍሓት ክዝቲ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ጉባኤ ዝቐረቡ ፀብፃባት ብምግምጋም ምስ ፀደቐ ናይ ዝቕፅል ሽዱሽተ ወርሒ ትልሚን ኣብቲ ጉባኤ ንዝተሃቀኑ ተግባራት መፈፀሚን ዝኸውነ በጀት ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ካብ መላእ ከባቢታት ኢትዮጰያ ዝተውፃእፅኡ ዑለማታት፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ፕሬዚዳንት ጉባኤ ዑለማታት ሼኽ ሃጂ ኢብራሂም ቱፋን ሓዊሱ ኣመራርሓ መጅሊስ ክልላት ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም።
ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባታት እዛ ሃገር ዝረአዩ ዘይምርድዳኣት ኣብ ምፍታሕ ዑለማታት ብዕቱብ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
እቲ ጉባኤ ኣብ ድሮ ዓብዪ ወርሒ ረመዳን ዝካየድ ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ብምሕባር፤ “ህዝበ ሙስሊም ኩሉግዘ ከምዝገብሮ ብምትሕግጋዝን ብሕብረትን ከሕልፎ ይግባእ” ኢሎም።
ብመራኦል ከድር