ስራሕቲ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነት እታ ከተማ ዘዕብዩ ኢዮም ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ናብራ እታ ከተማ ዘማዕብሉ፣ ምስላ ዝቕይሩን ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነታ ዘዕብዩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታታትን ትካላት ማሕበራዊ ሴክተርን ኣንብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም፡፡
እቲ ዑደት ኣብታ ከተማ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ፣ ስራሕቲ ዳግመ ልምዓት ሓዊሱ ማእኸል ዝተዋደደ መቀነባበሪ ሕርሻን ካልኦት ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ ንነበርታ ምቹውቲ ዝገብ፣ ምስካ ኣብ ምቕያር ዝርከቡን ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነታ ኣዚዮም ዘዕብዩን ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ዝተማለአላ ከተማ ንኽትከውን ዘኽአሉን ሃገር ናብ ምዕባለ ትገብሮ ጉዕዞ ዝለዓለ መርአዪን ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡