ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ዕላማ ተኮር ምግባር ከምዝግባእ ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እዋኑ ብዝጠልቦ መጠን ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ዕላማ ተኮር ምግባር ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶር) ኣገንዚቦም፡፡
“ዕላማ ተኮር ኮሙዪኒኬሽን ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት እናተውሃበ ዝርከብ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ይቕፅል ኣሎ፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ዓውዲ መርበብ ሓሬታ ፍሰት ሓበሬታ ካብ ሓደ ናብ በዓል ብዙሕ ኣንፈት ዝለወጠን ቅልጣፈ ዝርገሐ ሓበሬታ ኣዘዩ ዘደንፈዐ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ኩነታት ዘገናዘበ ዝርገሐ መንግስታዊ ሓበሬታ ክህሉ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ እዋኑ ብዝጠልቦ መጠን ናብ ህዝቢ ንምብፃሕ ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ዕላማ ተኮር ምግባር ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ብስትራቴጂ ምምራሕን ኩሎም ኣማራፂታት ኮሙዩኒኬሽን ብምጥቃም ድሌት ሓበሬታ ህዝቢ ምምላእ ትፅቢ ከምዝግበር ምግላፆም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡