Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ኣጠቃቕማ በጀት መንግስቲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ዝገብር ኣሰራርሓ ዕላዊ ክኸውን እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓት ኣጠቃቕማ በጀት መንግስቲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ዝገብር ኣሰራርሓ ዕላዊ ከምዝኸውን ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኣሰራርሓ ብዝተፈላለዩ መገዲታት መንግስቲ ዝረኽቦም ገንዘብ ናብ ሓደ ትካል ንምእካብ ዘኽእልን ንዝተተለመሉ ግልጋሎት ንክውዕል ዝሕግዝን “ኣሰራርሓ ነፀላ ኣካውንት ትሬዥሪ” ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

መንግስቲ ዘለዎ መጠን ገንዘብ ምፍላጥ ከምዘኽእል ዝተገለፀ እንትኾን÷ ገንዘብ መሓዝን ከይዲ ምምሕዳር ኣብ ሓደ ማእኸል ንክኾን ዝገብር ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፥ እቲ ኣሰራርሓ ዘበናዊ ስርዓት ምምሕዳር ገንዘብ ዝፈጥር ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ኣብ ስራሕቲ ቁፅፅር ዕውት ዝገብር ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝተፈላላዩ ቑፅሪታት ሒሳብ  ዝተበታተነ ገንዘብ መንግስቲ ናብ ሓደ ዘምፅእ ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ብምሕባር ÷ ብቀዳምነት ብብርኪ መንግስቲ ተግባራዊ ምግባር ከምዝጅምር ተሓቢሩ፡፡

እዚ ኣሰራርሓ ቐፃሊ ናብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝወርድ ብምግላፅ÷ንተግባራዊነቱን ዕውትነቱን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ግዲኦም ክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ብሰለሞን ይታየው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.