ስፑትኒክ ናይ ኣፍሪካ ቢሮኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ዜና ሬድዮን ብሮድካስቲን ሩሲያ ስፑትኒክ ኢንተርናሽናል ናይ ኣፍሪካ ቢሮኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽፋቱ ዕላዊ ገይሩ።
ናይ ኣዲስ ኣበባ “ስፑትኒክ ኣፍሪካ” ብሄራዊ ረብሓን ድሌትን ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ዘኽብር ኤዲቶሪያል ፖሊሲን ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ዝሓዘ ኣወዳድባን ከምዘለዎ እውን ተገሊፁ።
ስፑትኒክ ኣፍሪካ ድምፂ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣፍሪካ ብምዃን ዕቤትን ምዕባለን ንምዕዋት ሓጋዚ ግደ ከምዝዋፃእ ተሓቢሩ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴራል ሩሲያ ቫለንቲና ማትቪዬንኮ ከምዝበለኦ፤ ስፑትኒክ ኣፍሪካ ኣብ ረብሓን ጠለብን ፍሪካውያን ዝተመስረተ ኢዩ።
ምኽፋት ቢሮ ስፑትኒክ ኣፍሪካ ምኽፋት ሩሲያ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ኩለመዳይ ምትሕብባር ናይ ምጥንኻር ሸቶ ንምዕዋት ወሳኒ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡