ስፓርት
ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ሰዓት 12 ኣብ ዝተገበረ መበል 23 ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ተዓዊተን።
ሊቨርፑል ንኤፕስዊች ታውን 4 ን 1 ስዒሩ።
ኣርሰናል ድማ ንዎልቭስ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊቱ።
ብኸሊእ መዳይ፥ ኖቲንግሃም ፎረስት 5-0 ቦርንማውዝ፣ ኤቨርተን 1-0 ብራይተን፣ ኒውካስል 3-1 ሳውዝሃምፕተን ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊተን።
ነቲ ውፅኢት ስዒቡ ሊቨርፑል ሓደ ተመዓራራዪ ፀወታ እናተረፎ 53 ነጥቢ ብምውህላል ነቲ ሊግ እንትመርሕ፥ ኣርሰናል ብ47 ነጥቢ ካልኣይ፣ ኖቲንግሃም…
Read More...
ማንቼስተር ሲቲ ምስ ቼልሲ ዝገብርኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየድ መበል 23 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ቼልሲ ዝገብርኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።
እቲ ፀወታ ሰዓት 2፡30 ምሸት ዝካየድ እንትኸውን፥ ሩበን ዲያዝን ጀረሚ ዶኩን ብምኽኒያት መጉዳእቲ ኣይስለፉን።
ኣብ ጋንታ እኩብ ማንቼስተር ሲቲ፥ ሓደሽቲ ፈረምቲ ኤማር ማርሙሽ፣…
ፒኤስጂ ከማንቼስተር ሲቲ ኣብ 7ይ ዙር 2ይ መዓልቲ ፀወታ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)7ይ ዙር ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ዝቕፅሉ እንትኾኑ ፒኤስጂ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ምሸት ሰዓት 2፡45 ኣርቢ ላይፕብዚግ ምስ ስፖርቲንግ ሊዝበን ከምኡ እውን ሻካታር ዶኔስክ ምስ ስታድ ብሬስት ክራኸባ ኢየን፡፡
ምሸት ሰዓት 5 ድማ ካብቲ ውድድር ናይ…
ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓል ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ምሸት 7ይ ዙር ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝካየዱ እንትኾኑ ቤኔፊካ ምስ ባርሴሎና ከምኡ እውን ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ባየርሊቨርጉሰን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ምሸት 2፡45 ኣብ ቤርጋሞ ጋንታ ኣታላንታ ምስ ስትሩም ግራዝ ከምኡ እውን ሞናኮ ምስ ኣስቶንቪላ ፀወተአን ከካይዳ…
አርሊንግ ሃላንድ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ክሳብ 2034 ዘፅነሖ ኩንትራት ፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ማንቸስተር ሲቲ አርሊንግ ሃላንድ ኣብታ ጋንታ ክሳብ 2034 ዘፅነሖ ውዕሊ ከምዝፈረነ ተገሊፁ።
ወዲ 24 ዓመት ኖርዌያዊ ኣጥቃዒ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ብቕዓቱ እናወረደ ምምፅኡ ስዒቡ ካብታ ጋንታ ክለቅቕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ወረ እናተሰምዐ ከምዝነበረ ፀብፃባት የመላኽቱ።
ሃላንድ ከም ኣቆፃፅራ…
ኣብ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2027 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኳታር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ማራቶን ዶሃ ኣትሌት እታለማሁ ስንታየሁ ተዓዊታ።
ኣትሌት እታለማሁ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 21 ደቒቕን 43 ሰከንድን ብምዝዛዝም እንትትዕወት÷ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት እውነ ክሳብ 5ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዘዚመ።
ብመሰረት እዚ ሙሉሃብት ፀጋ 2ይቲ፣ ዝናህ ሰንበታ 3ይቲ፣…
ፀወታ ደርቢ ሰሜን ለንደን ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኸውን ትማሊ ድማ ሊቨርፑል፣ ቸልሲን ማንችስተር ሲቲን ነጥቢ ደርቢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትማሊ ኣብ ዝተኻየዱ መበል 21 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚዬር ሊግ እንግሊዝ መሪሕ እቲ ሊግ ሊቨርፑል ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ተራኺበን 1 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚመን።
ዌስትሃም ንፉልሃም 3 ን 2 እንትስዕር፤ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ብሬንትፎርድ ከምኡ እውን ቸልሲ ምስ ቦርንማውዝ ብተመሳሳሊ 2 ን 2 ማዕረ ተፈላሊየን።
ሎሚ…