Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝተኻየደ ንሕንሕ ጉያ ጎደና 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ትማሊ ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝተኻየደ ንሕንሕ ጉያ ጎደና 10 ሺሕ ሜትሮ ቀዳማይ ብምውፃእ ቅድመ ሐዚ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ኣመሓይሹ። ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ነቲ ርሕቀት ብ29 ደቓይቕን 49 ሰኮንድን ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ። ብመሰረት እዚ ናይቲ ቦታ 30 ደቒቓን 10 ሰኮንድን ዝነበረ ክብረወሰን ከምዘመሓየሸ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዘውፅኦ መረዳእታ ይሕብር። እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!…
Read More...

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ ጉያ ፍርቂ ማራቶን ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ ጉያ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ክሳተፉ ኢዮም። እቲ ጉያ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ንመበል 24 ጊዘ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ምስ ኣትሌታት ኬንያን ዩጋንዳ በርቱዕ ንሕንሕ ከጋጥሞም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ…

ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ዝሳለጥ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተሰኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፖላንድ ጊዲኒያ ዝሳለጥ ሻምፒዮና ፍርቂ ማራቶን ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተሰኒዩ። እቲ ጉጅለ፥ ተቀዳሚት ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብ ዝተረኸበትሉ ኢዩ ትማሊ ስነ ስርዓት ምፍናው ተገይሩሉ። ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብቲ እዋን ከምዝበለቶ፥ ኣትሌታት…

ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ይግበር ኣሎ – ኮሚሽን ስፖርት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 እናተገበረታ ምዃና ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። ብምኽንያት እቲ ተላባዲ ሕማም ናብ ፀገም ዝኣተወ ስፖርት ንምንቕቓሕ፥ ስፖርታዊ ኩነት ምትእንጋድ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተኣሚኑሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ኤልያስ ሽኩር…

ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ኣቀባብላ ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ስፔን ከተማ ቫሌንሺያ ክብረወሰን ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ዝሰበረት ኣትሌት ለተሰንበት ጊደይ ኣቀባብላ ተገይሩላ። ለተሰንበት ምስ ዋና ኣሰልጣኒኣ ሃይለ ኢያሱ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ፣ ፕዚዳንት ማሕበር ኣትሌታት…

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5 ሽሕ ርሕቐት ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ትማሊ ኣብ ሰፔን ቫለንሽያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ 14 ፡ 06 ፡ 62 ግዜ ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ። እቲ ክብረ ወሰን ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝፀንሐ እዩ። ጥሩነሽ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2008 ዓ.ም 14 ፡…

ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ታሕሳስ ከምዝጅመር ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድድር ኩዕሾ እግሪ ደቂ ተባዕቲዮ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ 3 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ከምዝጅመር ሼር ካምፓኒ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ሼር ካምፓኒ፥ ኣብ ውሽጢ ኮቢድ ኮይንካ ውድድር ፕሪሜርሊግ ንምጅማር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ። በቲ ዝተገበረ ምድላው…