Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ክጅመር ኢዩ። እቲ ውድድር ካብ 7 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብቲ ስታዲየም፥ ውድድር ሓፂርን ማእኸላይን ርሕቐት፣ 3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል፣ ስጉሚን ካልኦት ተግባራትን ክካየድ ኢዩ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ዕለት ድማ፥ መፃረዪን ፍፃመን ውርወራ ኣሎሎ፣ መፃረዪን ፍፃመን ስሉስ ዝላ ከምኡ እውን ካብ 100 ክሳብ 800 ሜትሮ ውድድራት መፃረዪ ካምዝካየድ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
Read More...

ጋንታ ወልዋሎ ንስሑል ሽረ 3 ንባዶ ረቲዓታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሳልሳይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ጋንታ ስሑል ሽረን ወልዋሎን ኣብ ስታዲየም ትግራይ ፀወተአን ኣካይደን። ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ወፀታ፥ ገናናው ረጋሳ ኣብ መበል 16 ደቓይቕ፣ ጁኒያስ ናጋነጂቦ ኣብ መበል 32 ን 55ን ደቓይቕ ብዘቑፀሩወን 3 ሸቶታት ጋንታ ወልዋሎ 3…