ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ማራቶን ለንደን ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ እዋን ልምምድ ብዘጋጠሞ መጉዳእቲ ኣብ ማራቶን ለንደን ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።
ብጉያ ህይወቱ ብብርኪ ዓለም ንዝድግፍዎን ንዘተባብዕዎን ደገፍቱ ምስጋና ዘቕረበን ዘመስገነ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ÷ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝበፅሖ መጉዳቲ ንምሕዋይ ጠመተ ከምዝገብር ገሊፁ፡፡
ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ÷ ኣብዚ ዝመፅእ ሰንበት ዝካየድ ውድድር ንዝሳተፉ ኣትሌታት ሰናይ ዕድል ተመንዮ፡፡
ኣብ 40 ዓመት ዕድመ ዝርከብ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ቅድሚ ሕዚ ማራቶን ለንደን ናይ መወዳእታ ዓለም ለኻዊ ውድድሩ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊፁ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡