ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ግሎባል ፈንድ ኤክስኪዩቲቭ ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ግሎባል ፈንድ ኤክስኪዩቲቭ ፒተር ሳንድስ ዘቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዳይሬክተር ግሎባል ፈንድ ኤክስኪዩቲቭ ፒተር ሳንድስ ናብ ኢትዮጵያ አንቋዕ ደሓም መፅኡ ዝብል ሰናይ መለእኽቶም ገሊፆም።
ግሎባል ፈንድ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ምድጋፍ ቁልፊ መሻርኽቲ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
እቲ ዘተ ኣብዚ ጠመተ ብምግባር ከምዝተኻየደን እቲ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ቆላሕቲ ዝገበረ ከምዝኾነን ኣገንዚቦም።