ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ፋብሪካ ቤቨሬጅ ኬኛ ዑደት ኣሳሊጦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወረዳ ኣምቦ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ፋብሪካ ቤቨሬጅ ኬኛ ዑደት ኣሳሊጦም።
ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ዑደት፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ረእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ተሳቲፎም።
እቲ ፋብሪካ፥ ኣብ ቀፃሊ ሰለስተ ሰሙናት ናብ ስራሕ ከምዝኣቲ ተገሊፁ።
3 ሚሊየን ሄክቶ ሊትር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።
ስራሕቲ እቲ ምምሕዳር ናብ ህዝቢ ንምቕራብ ናይ ቀበሌታት ምጥንኻር ወሳኒ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ብመሰረት እዚ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ በቢከባቢኡ ንህዝቢ ቀረባ ዝኾነ ምምሕዳር ንምፍጣር ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ብመንፅር እዚ ኣብ ወረዳ ኣምቦ ኣብ ዘሎ ሓደ ቀበሌ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብ እዋን እቲ ዑደት ዝተርኣየ እንትኸውን፥ ኣብቲ ቀበሌ ናይ ምብቃዕ ተግባር ኣብቲ ክልል 7 ሺሕን 342 ቀበቴታት ተወዲበን 50 ሺሕ ሓይሊ ሰብ ከምዝተመደበለን ተሓቢሩ።
ቅድመ ሐዚ ኣብተን ወረዳታት ተማእኺሎም ዝነበሩ ሞያዊን ምምሕዳራዊን ኣገልግሎታት ብብርኪ ቀበሌ ብዝግባእ ሓይሊ ሰብ ይወሃቡ ከምዘለዉ ተገሊፆ።
ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣካል ወንጪ ደንዲ ኤኮ ሎጅ ዝኾነ ህንፀት ክፍሊ ደንዲ ዝበፅሓሉ ብርኪ ርእዮም።
ስራሕቲ ሲቪል ህንፀት እቲ ስራሕ ከምዝተዛዘመ እውን ተሓቢሩ።