ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ሃኖይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ቬይትናም ሃኖይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ኣለዉ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ፒ4ጂ ቬይትናም 2025 ከምዝሳተፉ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።
ኣብ ፃሒቶም ካን መፈልፈሊ ሓይሊታት ፀሓይ ቬይትናም ሓይሊ እናፍረየ ናብ ወፃኢ ዝልእኽ ፋብሪካ ቶዮ ሶላር ተዓዚቦምም።
እቲ ትካል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፓርክ ኢንደስትሪ ሃዋሳ ብምህናፅ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ጀሚሩ ኢዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ትካል ፍርያት ሓይሊ ፀሓይ ካብ ምፍልፋል ብተወሳኺ ፋብሪካ መፈልፈሊ ሓይሊ ንኸጣይሽ ኣበረታቲዖም።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ምስ ዝሓዘቶ ፖሊሲ ሓምለዋይ ኣሰር እናተናበበ ኣብ ምዕባይ ዝርከብ ሕቶ ሓይሊ ምላሽ ብመሃብ ክሕግዝ ዝኽእል ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።