ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፅባሕ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህቡ ኢዮም
ዲስ አኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፅባሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህቡ ኢዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፈቅ በጀት ዓመት 2017 መንግስቲ ፌዴራል መበገሲ ብምግባር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ምላሽን መብርሂን ከምዝህቡ ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡