ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ኣብ ዑደት ቬይትናም ብብዙሕ ዓውዲታት ተሞክሮ ዝተረኸበሉ እዩ- ቢልለኔ ስዩም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቬይትናም ዝገብርዎ ዑደት ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘጠናኽርን ኣብ ብዙሕ ዓውዲታት ተመኩሮ ዝተረኸበሉ እዩ ክብላ ሓላፊት ፕሬስ ሴክረታርያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።
ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቬይትናም ዘካየድዎ ዕላዊ ዑደት ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።
ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ኣብ ቬይትናም ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ምዝታዮም ተዛሪበን፡፡
በዙይ እውን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘተ ምኽያዶም ኣረዲአን፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ቬይትናም ፋም ሚን ቺን ኣብ ቤተ መንግስቶም ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ገሊፀን።
ኣብ ዘተኦም ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ምዝታዮም አረዲአን፡፡
ቬይትናም ብቀንዲ ትፍለጥ ኢንቨስትመንት ብምስሓብ እዩ ዝበላ ቢልለኔ ስዩም÷ ምስዚ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ምስ እታ ሃገር ኣብ ኢኮኖሚ፣ ኢንዳስትሪ፣ ሕርሻን ካልኦት ዓውድታትን ተመኩሮ ምርካባ ኣብሪሄን።
ብመላኩ ገድፍ