ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሃሙድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከምዝዘቱ ኣልዒሎም፡፡
ዝተሓደሰ ርክብ ዘላቒ ዝኾነ ስራሕ ይደሊ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ዘተ ካልኣይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ጎድና ጎድኒ ዝተኻየደ ኢዩ፡፡