ቀ/ሚ ዐቢይ (ዶ/ር)ምስ ፕሬዚዳንት መፍትሒታት ዘላቒ ልምዓት ኔትዎርክ ተዛቲዮም
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት መፍትሒታት ዘላቒ ልምዓት ኔትዎርክ ሕቡራት መንግስታት ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ተዛቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ዳይሬክተር ማእኸል ዘላቒ ልምዓትን ፕሬዚዳንት መፍትሒታት ዘላቒ ልምዓት ኔትዎርክ ሕቡራት መንግስታት ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ከምዝተዛተዩ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ምስ ዕቤት ኣብ ዝተተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከምዝተዛተዩ ብምግላፅ÷ ጄፍሪ ዲ ሳች (ፕ/ር) ሕዚ እውን ናይ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ፈታዊ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡
እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ መበል 38 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተኻየደ ኢዩ፡፡