ቃልሲ ኢትዮጵያ ዘመትቲ ኮሪያ ንወለዶ ክቕፅል ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስራሕቲ ሕድሳት ዝኽሪ ሓወልቲ፣ ሙዚየምን ከምኡ እውን ኣዳራሽ ኢትዮጵያ ዘመትቲ ኮሪያ ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።
ዘኹርዕ ቃልሲ ኢትዮጵያውያን ዘመትቲ ኮሪያ ክብሩ ተሓሊዩ ንትውልዲ ክመሓላለፍ እቲ ሓወልቲ ዘመትቲ ንታሪኹ ብዝምጥን መልክዑ ሕድሳት ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ፡፡
እቲ ሕድሳት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምዘጠናኽር ምግላፁ ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ኣመልኪቱ፡፡
ስድራ ኢትዮጵያውያን ዘመትቲ ኮሪያ ታሪኽ ጀጋኑ ሓርበኛታት ዝገልፅ ኣልባሳት ስብህያብ ተበርኪቱሎም።