በዓል እንትነኽብር ዝዓረቑ ብምኽዳን፤ ዝጠመዩ እናብላዕና፤ ዝፀምኡ እናስተና ክኸውን ይግባእ- ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል እንትነኽብር ዝዓረቑ ብምኽዳን፤ ዝጠመዩ እናብላዕና፤ ዝፀምኡ እናስተና ክኸውን ይግባእ ክብሉ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መዓርግ ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ሰርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣገንዚቦም፡፡
ኣይተ ኣደም ፋራህ ንበዓል ትንሳኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቲ÷ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንዃዕ ንበዓል ትንሳኤ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም፡፡
እቲ በዓል እንትነኽብር ደገፍ ዝደልዩ ክፋላተ ሕብረተሰብ እናሓሰብና ፤ዝዓረቑ ብምኽዳን፤ ዝጠመዩ እናብላዕና፤ ዝፀምኡ እናስተና ብፍፁም ሰብኣዊነትን ኢትዮጵያዊ ሰነ ልቦናን ክኸውን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ብፍላይ ኣመራርሓ ፓርቲታት፣ ኣባላትን ደገፍትን እቲ በዓል ኣብ ፓርትና ብሰብኣውነትን ደሚቁ ንክኽበር እናገበርክምዎ ንዘለኹም ምንቅስቓሳት ኣጠናኺርኩም ክትቕፅሉ ብምሕታት እቲ በዓል ብፍቕሪ ደስታን ሰላምን ብሓባር እንቋደሰሉ ክኸውን ይምነ ኢሎም፡፡